Addis Alem
12/02/2022
ሃለዋት ተጋዳላይ ህወሓት ዘበሰሩ ፈላሞት ስርሒታት ( ሕርጓቶ ዝኽሪ ለካቲት )
-------
ታሪኽ ቃልሲን ጅግንነተን ህዝቢ ትግራይ ክነልዕል እንተሎና ተቐዲሑ ዘይነፅፍ ዉቅያኖስ እዩ።
እዚ ዘይነፅፍ ቅያን ጅግንነትን ድማ ኣብራኽ ህዝቢ ትግራይ ብዝኾኑ ጀጋኑ ደቁ እዩ ተሰሪሑ።
እቶም ፈለማ ዓሰርተታት ዝነበሩ ግን ከዓ በቢእዋኑ ብኣማኢት ኣሽሓት ኣብ መስመሮም ከም ዘሰልፉ ሃቂኖም ኣንፃር ስርዓት ደርግ ኣብ ሑጓታት ደደቢት ሽግ ሓርነት ዝለኮሱ ጀጋኑ ተጋደልቲ ህወሓት ዕላማን ራኢን ቃልሶም ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ትግራይ ክኹላዕ ምእንታን ፈለማ ሃለዋት ህወሓት ምርግጋፅ እዩ ነይሩ ቱኽረቶም።
ኣብዚ ከይዲ እዚ ተጋደልቲ ህወሓት ዕጥቃዊ ቃልሲ ምስጀመሩ ድሕሪ 5ይ ወርሒ ካብ ወርሒ ሓምለ 29/ 1967 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ከተማታት ሰሊኾም እናኣተዉ ስርሒታት ምክያድ ዝፈለሙ እንትኾን እዚ ወፍሪ
''ቃልስና ነዊሕን መሪርን እዩ ዓወትና ናይ ግድን እዩ" ብዝብል ጭርሕኡ እንፈልጦ ተጋዳላይ ሙሴ (መሓሪ ተኽለ) ተኣሲሩሉ ካብ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ሽረ እንዳስላሴ ንምፍታሕ ዝተኻየደ ፈላሚ ወታደራዊ ስርሒት ነይሩ። እዚ ስርሒት ሃለዋት ህወሓት ኣብ መላእ ትግራይ ክቃላሕ ዝገበረ እዩ።
ካብዚ ዕዉት ስርሒት ጀሚሩ ዉድብ ህወሓት ክሳብ ፈላማይ ዉድባዊ ጉባኤ ዘካየደሉ ወርሒ ለካቲት 1971 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋናት ጥራሕ ተጋዳላይ ትግራይ 85 ዝተፈላለዩ ወታደራዊ ስርሒታት ኣንፃር ሰራዊት ደርግ ኣካይዱ እዩ።
ንገሊኦም ንምጥቃስ ዝኣክል:-
#ሰነ 12 /1968 ዓ/ም ምስ ጀብሃ ብሓባር ብምዃን ዉግእ ሴሮ
#መስከረም 11/1968 ምስ ጀብሃ ብሓባር ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዝተፈፀመ ስርሒት
#ነሓስ 24/1969 ኣብ ኣሕሳኣ ዝፈፀሞ ስርሒት
#ጥቅምቲ 13/1970 ስርሒት ከተማ ዓብይ ዓዲ
#ጥቅምቲ 21/1970 ስርሒት ከተማ ነበለት
#ሓምለ 15/1970 ዓ/ም ስርሒት ከተማ ሰለኽለኻ
#ነሓሰ 4/1970 ዓ/ም ስርሒት ከተማ ነበለት
#ነሓሰ 15/1970 ዓም ስርሒት ከተማ ዓብይዓዲ
# ነሓሰ 18/1970 ዓም ሰርሒት ከተማ ሃገረሰላም
#መስከረም 1971 ዓም ኣብ ማይ ቅነጣልን ካልኦት ከባቢታትን ዝተኻየዱ ወፍርታትን ዝተመዝገቡ ዓወታትን ህያዉ ምስክራት ኢዮም።
ተጋዳላይ ህወሓት በዞም ዝተገለፁን ካልኦት ኣብዚ ዘይሰፈሩን ወታደራዊ ስርሒታት ዘመዝገቦ ዓወትን ጅግንነትን ብኣንፃሩ ኣብ ምጥንኻር እቲ ዉድብ ዓብይ ትርጉም ነይርዎ።
ብመሰረት እዚ ድማ ህወሓት ከም ዉድብ ሃለዋቱ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ኣብ ኢትዮጵያን ጎሮባብቲ ሃገራትን ካልኦት ጭቁናት ህዝብታትን ክፍለጥ፣ሕፅረት ዕጥቂ ሰራዊቱ ከማልእ፣ወታደራዊ ተመኩሮ ክሰንቕ፣ዝሓዞ ዕላማ ሰዓራይን ህዝባዊ ደገፍ ዘለዎ ምዃኑ ከመስክር ኣኽኢልዎ እዩ።
ካብዚ ሰፊሕ ዉቅያኖስ ብጭልፋ ንምርኣይ ዝኣክል እዩ....
ድሕሪ 1971 ዝተኻየዱ ዓበይቲ ወፍርታት ክቕፅሉ ኢዮም ..........
09/02/2022
✊🏽✊🏽✊🏽...........
25/12/2021
እምቢ ንመግዛእቲ ❤️💛
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Telephone
Website
Address
Mekelle