Saba Media Network

Saba Media Network

Share

12/02/2024

ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተሻሪኩም ንመንግስቲ ፌደራል ከተውድቁ ትደልዩ ኢኩም ኢሎምና፤ ንሕና ድማ ኩሉ ግዘ ደለይቲ ሰላም ኢና ኢልና አረዲእናዮም።
ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ

Photos from Saba Media Network's post 02/12/2023

"The Blooding jacket "(ብደም ዝጠልቀየ ጃኬት)

"እዞም ጫማታት፣ቁልፊ ማዕጥቖታትን (ቀበቶን)ጥብቆታትን ንምንታይ ኢኻ ኣብ ልዕሊ እዞም ዝተደራረቡ መቓብራት ፈላሊኻ ኣቐሚጥካዮም ዘለኻ ?" ኢላ ጋዜጠኛ ንዒማ ኢልባጊር ንወዮ ኣብ ማሪያም ደንገላት ዝፀንሓ ነባሪ ሓተተቶ ።
ንሱ ድማ ከምዚ ክብል መለሰላ
"እቲ ህዝቢ ፀላእቲ ናብ ማርያም ደንገላት ምስ መፅዎ መብዛሕትኡ ስለዝሃደመ ናብ መንበሪ ገዛውቱ ምስ ተመለሰ እዞም ብፀላእቲ ዝተረሸኒ ሰላማዊያን ሰባት መን እንታይ ዓይነት ጫማ? እንታይ ዓይነት ቁልፊ ማዕጥቖ(ቀበቶ)፣ መን እንታይ ዓይነት ጥብቆ ከምዝገበረ ነብሲ ወከፍ ስድራ ስለዝፈልጥ ንዞም ኣብ ልዕሊ መቓብራት ዘለው ምልክታት ምሰራኣየ ወዱ ፣ጓሉ፣ ኣቡኡ ኮነ ኣዲኡ ኣበይ ተረሺኑ ከምዝተቐበረ ምእንታን ከለሊዮም ኢለ እየ ኣብ ነብሲ ወከፍ መቓብር ቁልፊ ማዕጥቖን ጥብቆን ኣቐሚጠ ዘለኹ" በላ።

"እዛ ኣብ ኦም ሰቒልካያ ዘለኻ ጃኬት ከ? "በለቶ
"እዛ ጃኬት ተኸዲናዋ ዝነበረ ሰብ ኣይፈልጦን እታ ጃኬት ብደም ጠልቂያ እያ ነይራ እዚ ሰብ ሓደ ትግራዋይ እዩ ንዕኡ እውን ኢለ እየ እዛ ጃኬት ኣብ ኦም ዝሰቐልክዋ "በላ
ንዒማ እውን ብኣግራሞትን ሲሚዒት ሓዘንን ነተን ኣብ ልዕሊ መቓብር ዝተቐመጣ ምልክታት ትኩር ኢላ ተመልከተተን። ነታ ኣብ ኦም ዝተሰቐለት ጃኬት ከም ምልክት ብምውሳድ ድማ ካርታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ እታ ኦም ዘለው ጨናፍር ናብ ደም ቀይራ ብምቕማጥ ኣብ ማሪያም ደንገለት ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ከም መበገሲ ገይራ ኣብ መላእ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ The Blooding jacket "(ብደም ዝጠልቀየ ጃኬት)ብዝብል ፀብፀባ ዝገለፀት።
እታ ብልፅቲ ጋዜጠኛ CNN ንዒማ ኢልባጊር ከምዚ ሎሚ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ሕዳር 21/2013 ኣብ ማርያም ደንገላት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ ዘቐመጠቶ ሓቀኛ ዛንታ እዩ።

Want your business to be the top-listed Media Company in Mekelle?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Address


Mekelle
7000