Hara Events

Hara Events

Share

Photos from Hara Events's post 20/05/2024

ስነ-ስርዓት ምረቓ ፊልም "ማይ ንጉሆ"

ብተስፋማርያም ዳርጌ ተኣልያ ብሸጋ ፕሮዳክሽን ተሰርሐት ሓፃር ፊልም "ማይ ንጉሆ" ሎመዓንቲ ሰኑይ 12/09/2016 ዓ.ም ስዓት 11:00 ኣጋ ምሸት ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ሲነማ ሞሞና ህንፃ ተመሪቓ ንምርኢት በቒዓ።

ኣብ ጥቕዓት ደቂ ኣነስትዮ ማእኸላ ጌራ ህዝብና ዝበፀሖ በደል እተዘንቱ እዛ ፊልም እዚኣ "ፆታዊ ጥቕዓት ዝበፀሐን ደቂ ኣነስትዮ ብሕፅረት ግንዛበ ሕብረተሰብ ዝበፅሐን ተወሳኺ በደል እትድህስስ ናይ 20 ደቒቓ ንውሓት ዘለዋ ፊልም ኾይና ብኹሎም መራኸቢ ማዕኸናት ብነፃ ንሕብረተሰብ እትልቀቕ ፊልም እያ።

እዛ ፊልም እዚኣ ብቋንቋታት ኢሮብ (ሳሆ)፣ ኩናመይና፣ እንግዚለይናን ትግርኛን ዝተሰርሐት ፊልም እያ።

ፕሮዲሰራት እዛ ፊልም እዚኣ ኣብ ምስሐይ ንትግራይ ብፍላይ እንፈልጦም ኣብ ብዙሕ ማሕበረ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንጡፍ ምንቅስቓስ ዝገብሩ መናእሰይ ተኽሊት ሃይላይን ብርኽቲ ሃይለን እንትኾኑ ብማእገር ማሕበር ደቂ ኣነስትዮ ሰ.ኣ ስፖንሰር ዝተገበረ እዩ።

መቐለ
12/09/2016 ዓ.ም

Photos from Hara Events's post 18/05/2024

ብሩፍታና መልቲ ሚድያን ስራሕቲ ምልላይን ኣብ ዙርያ ቤተሰብ ብዝተፈላለዩ ቅዲ ንተመልከትቲ ዝቐርብ ናይ ቴሌቪዥን ሾው "ወግዒ ምስ ሜሪሾ" መድረኽ ዕላውነት ሎመዓንቲ 10 ጉንበት 2016 ዓ.ም ስዓት 9:00 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሆቴል ዓምድና ብድምቀት ተኻይዱ።

10/04/2024

ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ርሑስ ብዓል ዒድ ኣልፈጥር ክኾነልኩም ንምነ!

Hara Events
www.hara.et

09/04/2024

www.hara.et ኣብ ቀረባ እዋን!

ማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ትሕዝቶታት
- ብዜና፣ ሪፖርታዥን ፕሮግራማትን
- ናይ ቢዝነስ ምምኻር ስራሕቲ ፓኬጃትን
- መድረኽ ምድላውን ምትሕብባርን ስራሕቲ

ሓራ ሚድያ፣ ኣገልግሎት ምምኻርን ስራሕቲ ሕትመትን።
!

Want your business to be the top-listed Media Company in Mekelle?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Address


Mekelle
06