Mekelle Express- ME

Mekelle Express- ME

Share

Photos from Mekelle Express- ME's post 25/02/2026

ሎሚ ዘበን ልዕሊ 30 ሽሕ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ከምዝውስዱ ተሓቢሩ።

ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2018 ዓ/ም ኣብ 247 ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ 15454 ኣንስትዮ ዝርክብኦም 30529 ተምሃሮ 12 ክፍሊ ትግራይ ሃገራዊ ፈተና ንምውስድ ዘኽእሎም ምዝገባ ተፈተንቲ ኦን ላይ ካብ 18-30 ለካቲት ከምዝሳለጥ ተወካሊ ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ትግራይ ዶ.ር ኣረጋዊ ዘፈሩ ሓቢሮም።
እቲ ከይዲ ምዝገባ ኦንላይን ዘሳልጡ ካብ ኣብያተ ትምህርትን ወረዳን ንዝተወፃፅኡ 503 ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ኣቐዲሙ ዝግባእ ስልጠና ከምዝተውሃበን ነዚ መሰረት ዝገበረ ምድላላዋት እውን ብብርኪ ኣብያተ ትምህርት ከምዝተገበረ እቶም ተወካላ ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም።

ተፈተንቲ ተምሃሮ ንምዝገባ እንትቐርቡ መለለይ መንንት ፋይዳ፣ መለለይ መንነት ፋይዳ እንተውፅኡ ዝተመዘገብሉ ቁፅሪ ስልኪን ዘድሊ መረዳእታ ትምህርቶምን ሒዞም ክቐርቡ ከምዝግባእ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኣይሲቲ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣይተ ተሰፋይ ኣረጋዊ ፀዊዖም።
ቅድም ክብል መለለይ መንነት ፋይዳ ከውፅኡ ዘይከኣሉ ተምሃሮ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንከውፅኡ ኢሉወን ብኦፍ ላይንን ብሃርድ ኮፒን ተመዝጊቦም ንፈተና ዝቐርብሉ ከነታት ከምዝተመቻቸወ ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ተነፂሩ ዘሎ እዋን ምዝገባ ቀሪቦም ክምዝገቡ ዘይክኣሉ ተምሃሮ ንፈተና ከምዘይቐርቡ ፈለጦም እቲ እዋን ምዝገባ ብኣግባቡ ንክጥቀምሉ እቶም ሓላፊ ወሲኾም ገሊፆም።
ጉዳያት ርክብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ
18/06/2018 ዓ.ም
መቐለ

25/02/2026

“ፀረ መኸተና ተሰሊፍም ዝነበርኩም ተመለሱ”
———
ምሉእ መግለፂ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ይቕፅል!

ሓፂናዊ ሓድነትና ንህላወና!!

ባህጊ ፀላእትና ንዓቕምታት ትግራይ መቓቒልካን ጎዛዚኻን ብምብታን ትግራይን ተጋሩን ኣብ ዛዕባታት እዛ ሃገር ትርጉም ዘይብሎም ክኾኑ ጥራሕ ዘይኮነ ዳግም ከም ዘይለዓሉ ኮይኖም ክለምሱን ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናትን ፖለቲካዊ ስርዓታትን ኢትዮጵያ ብመንነታዊ ስያሜ ተጋሩ እትፅዋዕ ብሕታዊት ግዝኣት እዛ ሃገር ዝኾነት ትግራይ፤ ትግራይ ዝብል ሽም ምስ ኩሉ ክብርታቱን ጅኦግራፍያዊ ትሕዝትኡን ተፋሒቑ ክጠፍእ ተሓሲቡ ዝስራሕ ዝነበረ ፖለቲካዊ ውስልትና መራሕቲ ስርዓት ብልፅግና ቁፅሮም ዘይንዓቑ ተጋሩ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ምስ ስርዓት ብልፅግና ወጊኖም ፀኒሖም እዮም።

እንተ እንዳ ብልፅግና ጉዳዮም ናይ ኣተሓሳስባ ኣፈላላይ ዘይኮነስ ትግራዋይነትን ክብርታት ተጋሩን መሊእኻ ንምጥፋእ ዝዓለመ ነዊሕ ናይ ጥፍኣት መፃወድያ ዘርጊሖም ብሙሉእ ዓቕሞም ፅዒሮም ዝኣበዮም፤ ተጋሩ ነንባዕልና ተባሊዕና ክንፀንተሎም ክሰርሑ ፀኒሖምን ኣለዉን።

እንሆ ድማ ካብ ፅንታ ዝተረፈ ወለዶ ከይህሉ ርስቲ ዓዲ-ኣቡኡ ዝኾነ መሬት ዞባ ምዕራብ፣ ፀለምትን ደቡብን ትግራይ ኣብ ክንዲ ብመሰረት ውዕሊ ስምምዕነት ተፃቦኦ ደው ምባል ፕሪቶርያ ዝምልሱ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብዝብሃል ትግራይ ዘይተወከለትሉ ትካል ኣቢሎም ቆሪሶም ክወስዱ ሕልሞምን ትልሞምን የተግብሩ ኣለዉ።

ይኹን ምበር እዙይ ዝኸውን ኣብ ሕልምን ትምኒትን ፀላእቲ ተጋሩ ጥራሕ ምዃኑ ንፈታውን ፀላእን ግልፂ ክኾነሉ ይግባእ። ብተወሳኺ በዛ ሐዚ እንዳ ብልፅግና ደርሆ ፅሒራ እትረኽቦ ተንኮልን ብ OMN (Oromia Media Network) ጋህዲ ብዝገበርዎ ድሌትን ምኽንያት ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ናብ ጎንፂ ክኣትዉ እዮም ኢሉ ዝሰግእ ወገንን ሃህ ኢሉ ዝፅበ ፀላእን ክፈልጦ ዝግባእ ጉዳይ እንተሃለወ ክልቲኡ ህዝብታት ንዘመናት ዝፀንሐ ስልጡን ናይ ልዝብን ምርድዳእን ባህሊ ዘለዎ፣ ባህጊ ፀላእቱ ተረዲኡ ዘምክን ምዃኑ እዩ።

ድሕሪ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ብልፅግና ዝተርኣየ ናይ ሓድነትን ሕራነን መንፈስ ንወገን ዘኹርዕ ንፀላኢ ድማ ዘርዕድ ኮይኑ ሎ። ከም ውፅኢቱ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ብሽም ሓራ መሬት ተወዲቡ ኣንፃር ረብሓን ህልውናን ትግራይ ተሰሊፉ ዝነበረ ሓይሊ ናብ ዓድኻ ናይ ምምላስ መጠን ናህሩን ስፍሓቱን ወሲኹ እቲ ውዳበ እናፈራረሰ ናብ ህዝቡ ይፅምበር ኣሎ።

ስለ ዝኾነ ብዕጥቂ ይኹን ብዘይዕጥቂ፣ ብውዳበ ይኹን ብተናፀል፣ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ትግራይን ኣብ ደገን ኮይንኩም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ”ኣፈላላይ ኣለና” ብዝብል ፀረ-መኸተ ተሰሊፍኩም ዘለኹም ወገናት፤ ቅዋምኩምን ተግባርኩምን ናይ ፀላኢ ሕልሚ ንምስኻዕ ዓቕሚ ትኾኑ ከም ዘለኹም ካብዚ ንላዕሊ መረጋገፂ እንከይተፀበኹም፤ ዝህልዉ ኣፈላላያት ትርጉም ዝህልዎም ትግራይን ህዝባን እንትህልዉ እዩ እሞ ኣብ ጎኒ ህዝብኹምን መኸተኹምን ክትዓስሉ ደጊምና እናፀዋዕና ከም ኣካላት ፀጥታ መኸተና ኣሕይልና ከም እንቕፅለሉ ነረጋግፅ።

ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!!
ትግራይ ትስዕር!!! ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ
ለካቲት 18/2018 ኣ/ግ
መቐለ

Want your business to be the top-listed Media Company in Addis Ababa?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Category

Website

Address


Addis Ababa