Eph

Eph

Share

15/12/2023

" ህይወት ዕጫ'ዶ ምርጫ "!

ሰባት ህይወት ብዙሕ ኣረዳድኣን፡ኣተሓሳስባን'ዩ ዘለና።
እዚ ፍልልይ'ዚ ምናልባት ካብ ኣተዓባብይና ወይ ውን ካብ ከባቢና እንወርሶን፡እንሰርጾን ክኸውን ይኸእል።

ህይወት ዕጫ ድያ ምርጫ? ብ'እንነብሮ ናብራ፡ብዝተጓዓዝናዮ ጉዕዞ ሕጉሳት ዲና? ኣብ ህይወት ዕጉብ ሰብ ኣሎ'ዶ? ናይ ዘይዕግቡነት ስምዒታትና ንምፍዋስ ዝለወጥናዮም ልምድታት ኣለዉ'ዶ?

ኣብ ህይወትካ፡እትደልዮም ዝበለ ንምርካብ ሓይሊ ክኾነካ ሕሰሙን፡ጣዕሙን ብዘየገድስ ብዘለኻዮን፡ዝሓለፍካዮን ዕጉብ ክትከውን ኣለካ። ሎሚ ወዲ 23 ዓመት እንተሃሊኻ፡ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ወዲ 26 ዓመት ሙዃንካ ዘይተርፍ'ዩ። ስለዚ ኣብዘን ዝመጻ ሰለስተ ዓመታት ዕብየት፡ዓወት ንምርካብ በተን ዝሓለፋ 23 ዓመታት ዕጉብ፡ሕጉስ ክትከውን ይግበኣካ።

ህይወት ብምርጫና እንነብራ፡እንጓዓዛ፡ነስተማቅራ ጉዕዞ'ያ። ኣብ ህይወት እንትርፎ ንስኻ፡ገዲዱ ዘጓዕዘካን፡ፈትዪ ዘቋርጸካን ኣካል የለን። እትኽደኖ ክዳን፡እትበልዖ መግቢ፡ተፍቅሮ ሰባት፡ትርእዮም ፊልም፡ትሓስቦም ሓሳባት፡ትዛረቦም ቃላት፡ትዘናጋዓሎም ቦታታት…ወዘተ እትመርጾም ምበር ትግደዶም ኣይኮኑን።

ብዙሓት ሰባት ህይወት ብምርጫኻ እትኽየድ ከይዲ ሙዃና እናፈለጡ፡ጌጋ ምርጫ መሪጾም፡ኣብ ጌጋ መንገዲ ክጓዓዙ ይረኣዪ። ብ'ጌጋታቶም ዝመጹ ስዕረት ከም ዕጮኦም ይቅበልዎ። ሰሪ ጌጋታቶም ተቀቢሎም፡ምርጮኦም ምቅያር " ዕድለይ " ኮይኑ ክብሉ ይስምዑ።

ብዙሓት ኣብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ሰባት፡ኣብ ኣፍሪቃ ቑጠባዊ ዕብየት የለን፡ትምህርቲ የለን…ኣብ ካናዳ ኣሜሪካ ግን ፋይናንሻዊ ዕብየት ኣሎ፡ዜግነታዊ ዕብየት ኣሎ፡ስለዚ ኣብ ኣፍሪቃ ምህላው ምርጫና ኣይኮነን፡ክብሉ ይስምዑ። ኣብ ቀዳማይ ዓለም ናይ ዘሎ ታክስ ክፍሊት ግን ኣይፈልጥዎን። ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ማሕበራዊ-ህይወት ኣየስተማቅሩን። እቲ ወዲ ሰብ ዘይረኣዮ ንምርኣይ ህንጡይ'ዩ ዝብል ስምዒት ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ጽባቐ ኣስተብህል ዝብል ርዲኢት ይቀትሎ።

ኣብ ሓደ ቦታ ክትህሉ ምኽኣል ምርጫ ምበር ግዴታ ወይ ዕጫ ኣይኮነን። ዘለኻዮ ቦታ እንተስ ኣብ ካልእ ንኽትቅጽል ባይታ ኮይኑ መሪጽካዮ፡እንተስ ካብቲ ዝነበርካዮ ዝበለጸ ነገር ኮይኑ መሪጽካዮ ምበር ምስ እትሓስቦን፡ክህልወካ እትደልዮን ነገር ዘይሳነ ኮይኑ ኣይኮነን። ኣሜሪካን፡ካናዳን ዝለዓለ ጥርዚ ምንባር ኣይኮነን። ኣብ ዝሃለኻዮ ዕጋበት ክህልወካ ጸዓር ።
ትማሊ ዝመርጽካዮ ጉዕዞ፡ነዚ ሎሚ ዘለኻዮ ሰሪሑ'ሎ። ሎሚ እትመርጾ ምርጫ፡ጽባሕካ ክሰርሕ'ዩ። ዘዕግበካ ህይወት ክትነብር፡ ምርጫኻ ኣጸብቅ።

ዝበዝሐ ሰብ ኣብ ምርጩኡ ዘለዎ ንጹርነት ትሑት'ዩ።
ዘይንጹር ምርጫ ዘለዎ ሰብ፡ከም ምርጩኡ ክነብር ወይ ድሌታቱ ክረክብ ዝከኣል ኣይኮነን። ርዱእ ንምግባር…ኣብ ሓደ ካፌ ኣቲኻ ምስ ኣዘዝካ ኢኻ ድሌታትካ ትረክብ። " ፈሳሲ " ኢልካ ምስ ትእዝዝ ዓይነት ፈሳሲ ኢኻ ትሕተት። ኮካ ኢልካ ምስ ትእዝዝ ኮካ ትወሃብ።
ኣብ ጁባኻ ሓደ ቅርሺ ድዩ ዓሰርተ ቅርሺ ከሎካ፡ኣብ መንደቅ ሓደ ቤ/ት ምእመና ተጸጊዕካ " ዎ ኣምላከይ ገንዘብ ሃበኒ " ኢልካ ምጽላይ ማለት ወዲ 100 ዓመት ክንስኻ፡ዕድመ ሃበኒ ኢልካ ከም ምጽላይ'ዩ። እትደልዮ ዝበለ ሕተት፡እትሓስቦ ዝበለ ንምርካብ ቅኑዕ ምርጫ ምረጽ፡ምርጫኻ ጌጋ ምስ ዝኸውን፡ጌጋኻ ምቅባል ምረጽ ሽዑ ኩሉ ክትክእሎ ኢኻ።

ሓደ ህጻን… ናይ ምፉሗኽ ግዜኡ ምስ ኣብቅዐ፡ብ'የእጋሩ ንምኻድ ታተ'ዩ ዝጅምር። ታተ ኣብ ዝብለሉ ግዜ ይወድቅ፡ይትስእ። ኣብ ዝወድቀሉ ይልሕጸጽ፡ይደሚ'ዩ። ብ'የእጋሩ ክኸይድ ስለዝደሊ ግን ንዘጋጥሞ ነገራት ከም ምርጩኡ'ዩ ዝቅበሎ። ንሕና ድማ ዕላማና፡ራኢታትና፡ሕልምታትና ንምውና

Want your public figure to be the top-listed Public Figure in Addis Ababa?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Category

Culinary Team

Attire

Telephone

Website

Address


Addis Ababa