Awramba Times

Awramba Times

Share

23/05/2026

"ስሕተት እናምለኽካ ኣይንበርን"
ፖለቲከኛ ማሓሪ ዮሃንስ

ኣውራምባ ታይምስ [መቐለ] - ኣብዝሕዚ እዋን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ትምህርቲን ምርምርን ዝርከብ ፖለቲከኛ ማሓሪ ዮሃንስ፣ ቅድሚ ክልተ ዓመት ከምዛ ሎማዓንቲ ምስ ብራኸ ሸው ኣብዝገበሮ ፃንሒት እዚ ሪኢቶ'ዙይ ሂቡ ነይሩ።

22/05/2026

እቲ "ናብ ሱዳን ምኻድ" ዝብል ሓሳብ ደብረፅዮን ኣይተቓወሞን ነይሩ ክብሉ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገሊፆም
--------

ኣውራምባ ታይምስ [መቐለ] - ብ2013 ዓ.ም ናብሱዳን ንኽስደድ ብሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረተንሳይ ዝተዋደደ ናይ ዕልዋ መንግስቲ ፈተነ ኣብልዕለይ ተፈፂሙ ነይሩ ብዝብል ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ቅድሚ ሓደ ዓመት ንዘቕረቡዎ ክሲ፣ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረተንሳይ መልሲ ሂቦም።

ሎሚ ኣጋምሸት ምስ ኮርነር ፕሬስ ፃንሒት ዝገበሩ ሌ/ጄነራል ፃድቃን፣ ኣብዚ ዛዕባ እዙይ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንትምልሱ፣ "ኣብቲ እዋን ኣብ ብዙሕ ቦታ ናተኸበብና ፈንፂሕና ንወፅእ ኔርና" ብምባል ንቲ ዝነበረ ተደጋጋሚ ፈተና ድሕሪ ምዝርዛር፣ "ኩልና መስዋእትነት ካብንኸፍል እንተነኣሰ ዶ/ር ደብረፅዮን ናብ ሱዳን ከይዱ ናይ ዲፕሎማሲን ናይ ፖለቲካን ስራሕቲ እናሰርሐ ንቲ ቃልሲ ንኽመርሖ ሓሳብ ኣቕሪብናሉ ኔርና" ክብሉ ኣብራሪሆም።

ኣብቲ እዋን ዶ/ር ደብረፅዮን ንቲ ሓሳብ ከምዘይተቓወሙዎ ዘብራህርሁ ጄ/ል ፃድቃን "ኣብቲ ናይ ተምቤን ኣኼባና ይወሰን" ዝብል መልሲ ካብምሃብ ወፃኢ አብቲ እዋን እዙይ ዝበሃል ተቓውሞ ከምዘየቕረቡ መልሲ ሂቦም!

Want your business to be the top-listed Media Company in Addis Ababa?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Telephone

Address


3832 156th Street SW
Addis Ababa
98087