Motivation quote

Motivation quote

Share

10/10/2025
08/10/2025

1. ኣብ ትሕቲ ቍጽጽርካን ካብ ቍጽርካ ወጻእን ዘለዉ ነገራት ብንጹር ክትፈልጥ ኣሎካ። ሓሳባትካ፡ ተግባራትካ፡ ምርጫታትካ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽርካ እዮም። ባህርያት ሰባት፡ ጥዕናኻ፡ ሕሉፍ ህይወትካ፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ነገራት ግና ካብ ቍጽጽርካ ወጻኢ ስለ ዝኾኑ፡ ብኣኣቶም ክትሓስብ ግዜኻን ጸዓትካን ኣይተባኽን።

2. ሓቀኛ ሓርነት ካብ ነብስኻ ምምላኽ እዩ ዝመጽእ። ባህግታትካ፡ መልሰ-ግብርታትካን፡ ፍርሕታትካን ምስ ትቆጻጸር፡ ዝኾነ ክርብሸካ ዝኽእል ኣካል የሎን። ዋላ’ውን ግዳማዊ ህይወትካ ከቢድ እንተኾነ፡ ብውሽጥኻ ሓያል ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

3. ጽሕፍቶ ብርግኣት ክትቅበሎ ኣሎካ። ሞት፡ ጸበባ፡ ድዩ ለውጢ ብዘየገድስ፡ ዘጋጠመ የጋጥም ከም ኣካል ህይወት ተቀበሎ። ክውንነት ዘይምቅባል ብዘየካ ቃንዛኻ ምብኣስ ዝህቦ ጥቅሚ የሎን።

4. ልዕሊ ኵሉ ድማ ጭውነት እቲ እንኮ ቅኑዕ ኣገባብ ኣነባብራ እዩ። እዚ ብቅንዕና፡ ትብዓት፡ ዓቅሊ፡ ከምኡ’ውን ለውሃት ምንባር ማለት እዩ። ዓወት፡ ሃብቲ፡ ከምኡ’ውን ምሾት ዝኸዱን ዝመጽኡን ክኾኑ እንከለዉ፡ ባህርያትካ ግና ወትሩ ምሳኻ እዩ ዝነብር።

ኤጲቅጤጦስ

01/10/2025

#ማርያም

Want your public figure to be the top-listed Public Figure in Addis Ababa?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Category

Telephone

Address


Addis Ababa