Ghila -Change
11/05/2025
ኣእምሮና ደበና ዘይብሉ ሰማይ እንተዀይኑ፤ እንታይ ከንሳፍፈሉ ከም ዘለዋ ናይ ምምራጽን መሰልን ሓይልን ኣሎካ!
ጊዜን ቦታን ከይመረጹ፣ ብዘይምልክኻ ዝጋማድሑ ሓሳባት - ስቕ ከነበሎም ንኽእል ዶ?
ኣሉታዊ ሓሳባት ክሳብ ክንደይ መጸውቲ ጸዓት'ዮም?
https://youtu.be/jfaf29q5v-M?si=_KdNkYC7t9xFJzfP
ኣእምሮና ኣሉታዊ ካብ ምሕሳብ ክንዓግቶ ንኽእል ዶ?|Negative Thoughts 2025 ካብ ሓሳባት ክንዕርፍ ንኽእል ዶ?ኣሉታዊ ሓሳባት - ጽልወኦም ኣብ ህይወትና! ...
07/18/2025
መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፣ ሰባት ናይ ምትኳርን፡ ናይ ኣቓልቦ ምግባርን ተፈጥሮኣዊ ዓቕሚ፥ ኣብ መንጎ 10 ደቓይቕን 40 ደቓይቕን ይሃስስ።
ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ክንመሃሮ ዝደለና ዕማም ንውሕ ዘበለ ግዜ ምስ ንወስድ፣ ንረኽቦ መልሰ ተግባር ወይ ድማ ውጽኢት፡ እናነከየ ይኸይድ። ምኽንያቱ ኣተኩሮና ክዛውን ስለ ዝጅምር፤ ነዚ ሽግር’ዚ ንምቕራፍ እዚ #ፖሞዶሮ (Pomodoro) ዝተሰምየ ሜላ ክትጥቀም እምዕደካ።
እዚ ሜላ’ዚ፡ ብፍራንሲስኮ ሲሪሎ ዝተባህለ ዝማዕበለ ኮይኑ፥ ኣብ መቓን ሓደ ንጥፈት ንምዕያይ እቲ ውጽኢታዊ ግዜኡ፡ 25 ደቓይቕ ብድሕሪኡ ድማ ናይ 5 ደቓይቕ ዕረፍቲ የድሊ” ዝብል ዝተሰረተ እዩ። ነፍስ-ወከፍ ምቃል 25 ደቒቕ ‘ፖሞዶሮ’ ተባሂላ ትስመ።
ነዚ መጽሓፍ ምስ ኣንበብካዮ ዝመኽረካ፣ ኵሉ ግዜ ከተንብብ ከሎኻ ሓንቲ ፖሞዶሮ ጥራይ ከተንብብ ፈትን፣ ብድሕሪኡ ቅድሚ ናብ ካልእ ንባብ ምስግጋርካ ናይ 5 ደቓይቕ ንሓንጎልካ ኣዕርፎ።
ኣብ ትምህርቲ ክንመጽእ ከለና፣ እዚ ፖሞዶሮ ዝተባህለ ሜላ ዝሰርሓሉ ምኽንያት፣ ምስ ዝኽሪ፡ ጽልዋ ቀዳምነትን፡እዋናዊነትን ተኣሳሲሩ እዩ።
↪️“ጽልዋ ቀዳምነት” ክበሃል ከሎ፡ ኵሉ ግዜ ኣብ እተንብበሉ እዋን፣ እቲ መጀመርታ ዘንበብካዮ ክትዝክር ዝገብር እዩ። ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ መደረ፡ ወላ ኣብ ማሕበራዊ ጽልዋ ብምግባር ከይተረፈ ይሰርሕ።
ኣብ ሓደ መርዓ ወይ’ውን ካልእ ውራይ ምስ እትኸይድ፣ ንኣብነት፡ ገለ 30 ዝኾኑ ሰባት ክትረክብ ትኽእል። ካብቶም ኣብቲ ውራይ ዝረኸብካዮም ብርክት ዝበሉ ሰባት፡ ነቶም መጀመርታ ዝረኸብካዮም ውሑዳት ሰባት ክትዝክር ዝሓሸ ተኽእሎ ኣሎካ። (ብናተይ ሜላ ተጠቒምካ፣ ኣስማት ከመይ ጌርካ ክትዝክር ከም ትኽእል እንተ ዘይሰልጢንካ) ነዚ ኣምር’ዚ ኣብዚ መጽሓፍ ቀጺለ ክምህረካየ።
↪️“ጽልዋ እዋናውነት” ክበሃል ከሎ ግን፣ ነቲ መወዳእታ ዝተመሃርካዮ ነገር ናይ ምዝካር ተኽእሎ ኣሎካ ዝብል እዩ። (እቲ ዝያዳ እዋናዊ ዝኾነ) ኣብ ተመሳሳሊ መርዓ፡፡ እዚ ማለት ድማ፡ እቶም መወዳእታ ዝረኸብካዮም ሰባት ኣስማቶም ዝያዳ ናይ ምዝካር ተኽእሎ ኣሎካ ማለት እዩ።
በዚ ኣድራሻ ↙️ ትርከብ
Norway
+4746724978
https://oasisnapublishers.com
Canada
+ 1 204 228 8189
UK
+447576263136
USA
+1 (707) 430-6988
Gash Sebhat, May your soul reast in peace.
I don't wanna die for the truth.
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Website
Address
Calgary, AB