Almeda Textile plc
28/10/2020
ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ኣብ ሰፊሕ መኸተ ኣንበጣ
***************************************
አልመዳ አብ መኸተ ዕስለ ኣንበጣ ናይ እጃሙ ሓላፍነት ይዋፃእ ኣሎ።
ላዕለዎት ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኣልመዳ ኣብ ክልልና ኣጋጢሙ ብዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ከም ወትሩ ማሕበረሰባዊ ሓላፍነቱ ኣብ ምውፃእ ዝርከብ ዘሎ ትካል ኣልመዳ ነቲ ወራር ንምክልኻል ናብ ከባቢታት
- ዕዳጋ ሓሙስን ነበለትን
ከባቢ ዓድዋ
-የሓ
-እንዳባገሪማ
-እንዳማርያም ሽዊቶ
-ማይ ጥዑም
-ደብረ ገነት
ከባቢ ኣኽሱም
-ሓፀቦ
ካብ ዝሓለፉ ሽውዓተ መዓልትታት ጀሚሩ ናብተን ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዘጋጠመን ቦታታት ብምውፋር በቢመዓልቱ
-ሓሙሽተ ዓበይቲ መኻይን ብምምዳብ ሰራሕተኛታት ኣልመዳን ናይ ከተማ ዓድዋ ህዝብን ናብቲ ኣንበጣ ዘለዎ ከባቢ ብምጉዓዓዝ ሓገዝ እናሃበ ይርከብ።
-ሻድሽይቲ መኪና ድማ ብትካል ሰራሕተኛታት ዝተሰርሐት ረባሺ ድምፂ(ሳይረን) ብምትሓዝ ግልጋሎት ክትህብ እናገበረ መፅኡ እዩ።
-ሻውዐይቲ መኪና ድማ ናይ ትካል ዝኣረገ ናይ መኪና ጎማ ኣብ መዓልቲ 10 ጎማታት ብምሽካም ኣብ ብጣዕሚ ዕስለ ዝበዝሐሉ ሰራሕተኛታት ትካል ብዓሎም እናቓፀሉ ብጠቕላላ 70 ጎማታት ሓገዝ ተገይሩ እዩ።
-ሻምነይቲ መኪና ድማ ነፃጊት ኬሚካል ማሽን ብምሓዝ ግልጋሎት እናሃበ ፀንሑ እዩ። ብጠቕላላ 8 መኪና ኣብ መኸተ ተዋፍረን እናሰርሓ ይርከባ።ብተወሳኺ እውን 1000ባኒ ኣብ ናይ ትካል ካንቲን ብምዝግጃው ነቲ ኣንበጣ ዘባርር ዝወዓለ ሕብረተሰብ ትካል ዝካኣሎ ኩሉ እናገበረ ይርከብ።ሕዚ እውን ክሳብ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዘቋርፅ ትካልና እውን ኣብቲ መኸተ ምክልኻል ኣንበጣ ይኹን ኣብ ምዕፃድ ዝባፅሐ እኽሊ ሓገዛቱ ኣጣናኺሩ ከም ዝቕፅል ክነረጋግፅ ንፈቱ።
#ህዝባውነት ብተግባር
25/10/2020
ሎሚ እዉን ኣብ እንዳባ ፃሕማ፣ ሓሓይለ፣ ወርዒን ራህያን ሰፊሩ ንዝሓደረ ዕስለ ኣምበጣ ንምጭፍጫፍ ሰራሕተኛታት ፋብሪካና ምስ ሙሉእ ዕጥቆም ብለይቱ ወፊሮም ኣለው። ብዋናነት ኬሚካል መንፀጊት ማሽንን ዓብዪ ድምፂ ዘለዎ ሳይረንን ሒዞም ልዕሊ 3ተ ኣውቶብስ ሰራሕተኛታት ኣብቲ ከባቢ ይዘምቱ ኣለው።
Click here to claim your Sponsored Listing.
Telephone
Website
Address
Addis Ababa