JDI Technology Group

JDI Technology Group

Share

19/06/2020

ሰላምን ጥዕናን ንዓኹም ይኹን ክቡራት

ትካልና ምሉእ ሕጋውነትን ኣፍልጦን ሒዙ ናብ ስራሕ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ሶፍትዌር ብፍጥነትን ብፅሬትን እናሰርሐ ይርከብ። ካብቶም ክሳብ ሐዚ ዝተሰርሑ ናይ ሶፍትዌር ስራሕቲ፡ ብፍሉይ እዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ዓበይቲ "ፕሮጀክትታት" ብቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ምሉእ ግምገማ ተገይሩለን ዝሓለፋን ናብ ካልኦት እውን ክስፋሕፍሓ ፍቓድ ዝተውሃበንን ምዃነንን ብደስታ ክንገልፅ ንፈቱ።
እዘን ሶፍትዌራት ኣብ ሕድሕድ ዕለታዊ ምንቅስቓሳትና ዓብዪ ረብሓ ከምዘለወንን ዕግበት ተገልገልቲ ድማ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘብፅሓን ምዃነን ተረዲእኹም ንትካልኩም ወይ ንጣብያኹም እንተኣዚዝኩምና ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ምሉእ ብምሉእ ወዲእና ክነረክበኩም ድሉዋት ምዃንና ክንገልፅ ንፈቱ።

!!

Together, we can.

ጄ ዲ ኣይ ቴክኖሎጂ ሓ/ዝ/ው/ማ

ኣድራሻ፥ መቐለ ቀበሌ 16 ድሕሪ ቀይሕ መስቀል
ህንፃ ኣዳነ ሓጎስ (ዶ/ር ማርቆስ ዝነበረ) 1ይ ደብሪ #214

0934-337171 ወይ 0914-124618 ይደውሉ።

07/06/2020

ክሳብ ሐዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲ
1.
እዚ ሶፍትዌር ኣብ ጣብያታት ዘሎ ዝተለመደ ናይ ወረቐት ኣተሓሕዛ መረዳእታ ተሪፉ ኮምፒዩተራይዝድ ብዝኾነ ዘመናውን ቅልጥፉን ኣተሓሕዛ ፋይላትን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ንክህሉ ዝገብር እዩ። እዚ ድማ ብመጀመርታ ኣብ ልዕሊ 12,000 (ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ) ባሕሪ መዝገብ ኣብ ዘለዎ ጣብያ ዓዲ ሽምድሑን ተግባራዊ ኾይኑ እዩ። እቲ ሶፍትዌር ስርዓት ድሕሪ ምትእትታዉ ዝተፈላለዩ ነበርትን ኣካላትን ኣድናቖት ዝሃቡ ኾይኖም ካብቲ ስራሕ ዝተዓዘብናዮም ረብሓታት ድማ ፡

👉 መለልዪ መንነት ንምሃብ ኮነ ንኻልኦት ስራሕቲ መዝገብ ንምእላሽ ዝወስድ ዝነበረ ግዜ ኣዝዩ ብዝገርም ኣፈላላይ መዓልትታትን ሰሙናትን ዝውድአሎም ዝነበረ ኣብውሽጢ ሓደ ደቒቓ ስርሖም ኣሳሊጦም ንክኸዱ ገይሩ።

👉 እቲ ዝፀንሐ ኣተሓሕዛ ፋይል ብወረቐት ስለዝነበረ ብዙሓት ፋይላት ይሰኣኑን ይጠፍኡን ነይሮም። በዚ ምኽንያት ድማ ሓዱሽ ፋይል ንክኸፍቱ ስለዝግበር ናይ ፋይላት ድግግማትን ረብሓ ዘይብሎም ወረቐታት ካብ ምድርዳርን ብተወሳኺ ምስ ተገልገልቲ እውን ናብ ጭቕጭቕን መረረትን የእቱ ነይሩ። እዚ ሶፍትዌር ግና ነዚኦምን ዝመሳሰሉን ፀገማት ምሉእ ብምሉእ ዝቐረፈ እዩ።

👉 እዚ ሶፍትዌር ሓዱሽ መዝገብ ካብ ምፍጣር ጀሚሩ፡ ንምእላሽ፣ መለለዪ መንነት ንምሃብ፣ ስርዝ ንምውሳድን ካልኦትን ብፅፉፍን ቅልጡፍን መልክዑ ዘስተኣናግድ ስለዝኾነ ግልፅነትን ተሓታትነትን ንክህሉን ሰናይ ምምሕዳር ንክሰፍንን ልዑል ተራ ኣለዎ።

እዚ ሶፍትዌር ዝወሃብ መለለዪ መንነት ትኽክለኛ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምርግጋፅ ዝጠቅም ፍሉይ ኮድን (QR Code) ዓሸራን (Finger Print) ዝተማልአሉ ስለ ዝኾነ ኣብ መላእ ትግራይ ብምስፍሕፋሕ ሓቃውን ትኽክለኛን መለለዪ ክወሃብ ክሕግዝ ዓሊሙ ዝተሰርሐ እዩ።

Want your business to be the top-listed Computer & Electronics Service in Addis Ababa?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Telephone

Address


Addis Ababa